ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ንዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት መፃሕፍቲ ብመልክዕ ሓገዝ ሂቡ።
ባህሊ፣ ታሪኽ፣ ቋንቋን ስነፅሑፍን ቋንቋታት ትግራይ (ትግርኛ፣ ኢሮብ፣ ኩናማን ግእዝን) ኣብ ምፅናዕን ምዕቃብን ልዑል ኣበርክቶ ዝፃወት ዘሎ ትካል ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዘሐተሞም ውፅኢት ምርምራት ዝኾኑ መፃሕፍቲ ንዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ብመልክዕ ሓገዝ ኣበርኪቱ።
እቶም ብመልክዕ ሓገዝ ዝተረኸቡ መፃሕፍቲ ብዓይነቶም 16 (ዓሰርተ ሽዱሽተ) እንትኾኑ ካብ ሕድሕድ ሕታም 40 (ኣርብዓ) መፃሕፍቲ ብድምር 640 (ሽዱሽተ ሚኢትን ኣርበዓን) መፃሕፍቲ እዮም።
እዞም መፃሕፍቲ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከምኡ እውን ምርምር ዕዙዝ ግደ ከም ዘለዎምን ከም መወክስ ኮይኖም ከምዝጠቕሙን ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ቋንቋ፣ ስነፅሑፍን ፎክሎርን ትግርኛ መምህራን ዝኾኑ ሃፍተ ንጉስ (ዶ/ር)ን ኣቶ ሰመረ ተስፋጋብርን ገሊፆም።
ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ንዝገበረልና ሓገዝ መፃሕፍቲ ብሽም ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ነመስግን።