27 Apr2018
ፃውዒት ምርምር (Call for Papers)
ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት፣ ኮሌጅ ሕብረተሰብ ሳይንስን ስነ ሰብን ክፍሊ ትምህርቲ ቋንቋ፣ ስነ ፅሑፍን ፎክሎርን ትግርኛ፣ ካብ 2007 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ዓመት ሓደ ግዘ ሲምፖዚየም ቋንቋ ትግርኛ እናሳለጠ መፂኡ እዩ$ ናይዚ መቐፀልታ ኣብ 2010 ዓ.ም. ዘካይዶ ራብዓይ ሃገራዊ ዋዕላ ቋንቋ ትግርኛ እውን ማራ መፅናዕቲ ክቕበል ተዳልዩ ይርከብ
- ዛዕባታት ምርምር (thematic areas)
- ህልው ኩነታት ስነፅሑፍ ትግርኛ
- ረብሓን ምዕቃብን ባህሊ
- ፎክሎርን ስነቃላትን
- ህልዊ ኣጠቓቕማ ሰዋስውን ሳይንሳዊ ትንተና ስነልሳንን ትግርኛ
- ትግርኛ ከም መመሓላለፊ ትምህርቲ
- ሓገዝቲ መፃሕፍቲ ንህፃናት
- ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ትግርኛ ዝርአ ፀገም
- ኣጠቓቕማ ቋንቋ መራ£ብቲ ሓፋሽ
- ግደ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኮሌጃትን ኣብ ምምዕባል ባህልን ቋንቋን
- ቋንቋ ግእዝ ዘለዎ ረብሓታት
- ህልው ኩነታት ስርዓተ ፅሕፈት ትግርኛን ምስእዞም ዝተዘርዘሩ ካልኦት ተመሳሰልቲ ዛዕባታትን ካብ 200 ቃላት ዘይበዝሕ ማራ መፅናዕቲ ንክትልእኹ ንዕድም$
- ሓበሬታ
- ማራ መፅናዕቲ ዝለኣኸሉ እዋን ክሳብ ዕለት 10/09/2010 ዓ.ም.
- ውዱእ ፅሑፍ ምርምር ክሳብ ዕለት30/09/2010 ዓ.ም. ኣታዊ ይ£ውን
- ዋዕላ ዝካየደሉ ዕለት 08-09 ሰነ 2010 ዓ.ም.
- ዝቐርብ ምርምር ሓዱሽ ክኸውን ይግባእ (ኣብ ዝኾነ መድረኽ ዘይቀረበ)
- ለኣኽቲ ማራመፅናዕትኹም ንውድድር እንትትልእኹ ምሉእ ኣድራሻ (ቁፅሪ ስልኪ ፣ ኢሜይል፣ ቦታ ስራሕ) ክትንፅሩ ይግባእ$
- ማራሓሳብ(abstract)ከምኡ እውን ውዱእ መፅናዕቲ ዝለኣኸሎም ኣድራሻታት zelambesa@gmail.com, kidanuasbi@gmail.com